ትግርኛ

ኣብተን ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረባ ዞባታት ስዊዘርላንድ ማሕበራዊ ሓገዝ ብኸመይ ይሰርሕ/ይካየድ?

ቪድዮ 1: ማሕበራዊ ረድኤት – መግለጺ

ማሕበራዊ ረድኤት – መግለጺ

ማሕበራዊ ረድኤት ንዝኾነ ኣብ ኣዝዩ ብርቱዕ ጸበባ ንዝርከብን ንመነባብርኡ ባዕሉ ክሽፍን ንዘይክእል ውልቀሰብ ንምሕጋዝ ከገልግል ይኽእል እዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ትነብሩ እንተዂንኩም እሞ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዘለኹም እንተዂንኩም፣ ማሕበራዊ ረድኤት ንምቕባል መሰል ኣለኩም።

ናይ ወጻኢ ሃገር ዜግነት ዘለኩም ኣንተኾይኑ፣ ከከም መንበሪ ፍቓድኩም ዝፈላለ ቅድመ ኩነት እዩ ዝውስን።

ኣብ ሕጊ ካንቶን፣ ማሕበራዊ ረድኤት ክንድምንታይ ከም ዝሕግዝን እንታይ መሰልን ግዴታን ከም ዘሎን፣ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብ ማሕበራዊ ረድኤት ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓገዛት ፍልልይ ኣሎ፡ ውልቃዊን ቁጠባዊን ሓገዝ።

ውልቃዊ ሓገዝ ማለት ምኽርን መሰነይታን ኣዩ።

ዕላምአን ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ንምምላስ ዝኾና፣ ዝተፈላለያ ዓይነታት መደባትን ንጥፈታትን ይቕረባ እየን።

ቁጠባዊ ሓገዝ ናይ ገንዘብ ሓገዝ እዩ። እዚ ሓገዝ መሰረታዊን ክብሪ ሰብ ዝሓለወን መነባብሮን ንምርግጋጽ፣ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ብውልቂ ዝጽብጸብ እዩ።

ሓገዝ ዝግብኣኩም ከም ዝኾነ ንምርግጋጽ፡ ነቲ ናትኩም ኩነታት ካብ ክፍሊት ነጻ ኮይኑ ብሓደ ሰብ ሙያ ንኸተገምቱ፣ መሰል ኣለኩም።

ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፣ ብኽብረትኩም ንናይ ከባቢኹም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተወከሱ።

ቪድዮ 2: ማሕበራዊ ረድኤት – እቲ ሓገዝ ከመይ ኣዩ ዝጽብጸብ?

ማሕበራዊ ረድኤት – እቲ ሓገዝ ከመይ ኣዩ ዝጽብጸብ?

ማሕበራዊ ረድኤት ንምቕባል መሰል ዘለኩም፣ ንመነባብሮኹም ዘድልየኩም ባዕልኹም ክትሽፍኑ ዘይትኽእሉ እንተዂንኩም ከምኡ ድማ ኩሉ ካልእ ኪርከብ ዝኽእል ናይ ሓገዝ ምንጭታት፣ ከም እኒ መሃያ፣ ናይ ኣዝማድ ደገፍ፣ ንብረት ወይ ድማ ካብ ካልእ ማሕበራዊ ኢንሹራንሳት ዝርከብ ቁጠባዊ ክፍሊታት ዘይኣክል ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ።

ይኹን እምበር፣ እስኹም ንናይ ማሕበራዊ ኢንሹራንስ ውሳነ ክትጽበዩ ከለኹም፣ ማሕበራዊ ረድኤት ኣቐዲምኩን ክትቅበሉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ንምሳለ ናይ ስንኩላት ኢንሹራንስ ኣገባብ ክካየድ ከሎ።

ንብረትኩም ካብ ሓደ ውሱን ዝኾነ መጠን ንላዕሊ እንተኾይኑ፣ ማሕበራዊ ረድኤት ንምቕባል መሰል የብልኩምን። እቲ መጠን ደረት ከም ግቡኡ ንሓደ ውልቀሰብ 4.000 ፍራንከን፣ 8.000 ፍራንከን ንጽምዲ ከምኡ ድማ 10.000 ፍራንከን ንስድራቤት እዩ።

ከም ንብረት ዝሕሰብ ኣብ ሒሳብ ባንክ ዘሎ ገንዘብ፣ ኣብ ስዊዘርላንድን ኣብ ወጻኢ ሃገርን ዘሎ ገዛውቲ፣ በዓል ሞተር መጎዓዝቲ ወይ ካልእ ክቡር ናውቲን እዩ።

ከከም ዓይነት ንብረት ፍሉይ ኩነታት ክትግበር ይከኣል እዩ።

ኣብቲ ዝምልከቶ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ሓገዝ ንምርካብ መሰል ዘለኩም እንተዂንኩም ንምሕታት፣ ሰጋእ ኣይትበሉ።

እስኹም ንኹለን ኣገደስቲ ዝኾና ሰነዳት ምስ ኣቕረብኩም፣ እቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንናትኩም ቁጠባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ክጽብጽብ እዩ። ኣብ ናትኩም ቁጠባዊ ዓቕምን ተቐባልነት ዝረኸበ ወጻኢታትን ዝተሞርከሰ ውልቃዊ መደብ ገንዘብ ክፍጠር እዩ።

ብማሕበራዊ ኣገልግሎት ተቐባልነት ዝወሃቦ ወጻኢታት እዘን ዝስዕባ እየን:

  • ከከም ውልቃዊ ኩነታትን ቁጽሪ ኣባላት ስድራቤትን መሰረት ብምግባር ዝውሰን ንመነባብሮ ወጻኢታት ዘድሊ መጠን ገንዘብ። ኣብዚ ዝካተት ንመግቢ፣ ክዳውንቲ ወይ ድማ ንቀረባ መንበሪ ቦታ ዘገልግል ናይ ህዝቢ መጎዓዚን ካልእን እዩ።
  • መሰረታዊ ክንክን ሕክምና (ሕክምና ስኒውን ሓዊሱ) ከምኡ እውን ዋጋ መንበሪ ገዛ፣ እቲ ምምሕዳር ከባቢ ንዓኹም ዝመጣጠን ዋጋ መንበሪ ክንደይ ከም ዝኾነ ይውስን። እስኹም ኣብ ሓደ ኣዝዩ ክቡር መንበሪ ገዛ ትነብሩ ኣንተዂንኩም፣ ሓደ ዝሓሰረ መንበሪ ገዛ ንኽትደልዩ ክትሕተቱ ኢኹም።
  • ምኽንያት ዘለዎ ጉዳይ ምስ ዝህሉ ብተወሳኺ “ምስ ኩነታት ዝተሓሓዝ ክፍሊት” ዝበሃል ክውሰኽ ይኽእል እዩ።

ምናልባሽ እቲ ማሕበራዊ ረድኤት ክምለስ ዝግብኦ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ብዝምልከት ነፍሲ ወከፍ ካንቶን ናቱ መምርሒ ኣለዎ።
ብዛዕባ ናይ ማሕበራዊ ረድኤት መሊስካ ናይ ምኽፋል ግዴታ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ናብቲ ዝምልከቶ ማሕበራዊ ኣገልግሎት
ተወከሱ።

እቲ ማሕበራዊ ረድኤት ንእዋናዊ ኩነታት እምበር ንዝሓለፈ እዋን ኣይኮነን ዝወሃብ። እሱ ዕዳ ኣይሽፍንን እዩ። በዚ ምኽንያት ሓገዝ
ንምርካብ መመልከቲ ካብ ምቕራብ፣ ሰጋእ ኣይትበሉ!

ቪድዮ 3: ማሕበራዊ ረድኤት – መሰልን ግዴታን

ማሕበራዊ ረድኤት – መሰልን ግዴታን

ማሕበራዊ ረድኤት ምስ እተመልክቱ፣ እዘን ዝስዕባን ካልእን መሰላት ኣለኩም:

  • ሕጋዊ ናይ ምትግባር ክእለትኩም ከም ዘለዎ ይቕጽል። ከም ቀደምኩም ውዕላት ክትፍርሙ፣ መንበሪ ቦታኹም ክትቅይሩ ወይ ድማ ሓዲሽ ስራሕ ክትጅምሩ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ኣብ ዝኾነ እዋን፣ ሓደ ውሳነ ብጽሑፍ ንክወሃበኩም ከምኡ ድማ ምኽንያቱ ንኽግለጸልኩም፣ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ብሓደ ውሳነ ዘይትሰማምዑ እንተዂንኩም፣ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ሓለዋ ዳታ ኣብ ማሕበራዊ ረድኤት ይዕቀብ እዩ – ናትኩም ዳታ ብጽኑዕ ምስጢር እዩ ዝዕቀብ።
  • ኣብ ዝኾነ እዋን ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝርከብ ሰነድኩም ንኽትርእዩ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ማሕበራዊ ረድኤት ምቕባል ምስ ዝተፈላለያ ሕግታት ዝተተሓሓዘ እዩ።

  • ካብ ማሕበራዊ ረድኤት ብቑጠባ ትድገፉ እንተዂንኩም፣ ንኽትትሓባበረሩ ትግደዱ ኢኹም። ንምሳለ፣
    ካብቲ ዘለኩም ጸበባ ንምውጻእ፣ ኩሉ ግቡእ ዝኾነ ጻዕሪ ንኽትጽዕሩ፣ ትግደዱ ኢኹም።
  • ኣብ ዝርርብ ንምስታፍን ንኹሉ ናትኩም ውልቃዊን ቁጠባዊን ኩነታት ንኽትቀልዑ ትግደዱ ኢኹም።
    ኣብ ቁጠባዊን ውልቃዊን ኩነታትኩም ለውጢ ምስ ዝህሉ፣ ቀልጢፍኩምን ከይተሓተትኩምን ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ንከተፍልጡ ትግደዱ ኢኹም። ንምሳለ፣ እቶትኩም ወይ ድማ ንብረትኩም እንተተቐየረ፣ ሓዲሽ ናይ ስራሕ ቦታ እንተረኸብኩም፣ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ገዛኹም ምሳኹም ክነብር እንተጀመረ ወይ ድማ ቁጠባዊ ለቓሕ እንተተቐበልኩም።

ነቲ ብቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ረድኤት ዘለኩም ግዴታ እንተዘየማላእኩም ናይ ረድኤት ምንካይ ወይ ድማ ምቁራጽ ከኸትል ይኽእል እዩ ወይ ድማ፣ ምናዳ ጌጋ ሓበሬታ ዝሃብኩም እንተዂንኩም፣ ኣብ ልዕሌኹም ናይ መቕጻዕቲ መመልከቲ የስዕብ እዩ።

ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፣ ናብ ናይ ከባቢኹም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተወከሱ። እሱ ኩነታትኩም ኣጽኒዑ ንዓኹም ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነን ምስጢራዊን ሓበሬታ ክህበኩም እዩ።

ናብ ማሕበራዊ ሓገዝ ኣገልግሎት ኣብ ኩሉ ከባቢ ንመሓየሽ፡